ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ሚነሶታ ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ኢትዮጵያዊ ዝመበቈሉ ተኸሲሱ - ሰነዳትከ?

  2. ኡጓንዳውያን 'ጌቶ ኪድስ' ምስ ሻኪራ ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ 'ንህይወትና ዝቐየረ ተመኵሮ'

  3. መጥቃዕቲ ሑቲን ንዩክለሳዊ ውድድርን፡ ማእከላይ ምብራቕ ናበይ ገጹ?

  4. ቢንያም ግርማይን እቲ ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ 'ዝተዓጽወ' ኣፍ ደገ ኤውሮጳን

  5. ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ገዳም ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ "ድሮን" ክልተ መነኮሳት ከምዝተቐተላ ተገሊጹ

  6. ካብ ናይጀርያ ክሳብ ኤውሮጳ ንታሪኽ ጸዓት ዝቕይር መስመር

  7. ሱዳን፡ ንኢትዮጵያ ሰደድ ኤለክትሪክ ብምቍራጻ ትኸሳ

  8. ንዩክለሳዊ ጸዓት ስዑድያን 'ስምምዕ ኣብርሃምን'፡ ትራምፕ ዘቕረቦ ተሪር ቅድመ-ዅነት

  9. ኣግማል ዓፋር'ኳ ክፃወሩዎ ዘይከኣሉ ሓያል ሙቐት

  10. ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍፅምዎ መጥቃዕቲ ደው ክብሉ ሓቲቱ

    ዕጡቓት ሑቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ “ብቕልጡፍ ደው ከብሉ” ጸዊዑ።

    ብተወሳኺ ሑቲ፡ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ክልተ መራኽብ ነዳዲ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ “ሓደገኛ ምዕባለ” ክብል ኮኒንዎ።

    እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ዝፈፀመት እገዳ ምስ ኣወጁ እዩ።

    እተን መራኽብ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምዝተሃርማ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ እቶም ዕጡቓት ያህያ ሳረ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ መጥቃዕቲ “ብትሪ ይኹንኖ” ኢሉ ብምግላፅ፡ "እዚ ተግባራት ኣብ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ከቢድ ጽልዋ ዘለዎ ሓደገኛ ምዕባለ'ዩ" ኢሉ።

    ምስታ መራኽባ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ስዑዲ ዓረብ ምሕዝነቱ ዝገለጸ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ “ንጸጥታ፣ ልኡላውነትን ምርግጋእን” እታ ሃገር ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

  11. ኢራን ኣብ መሳለጥያታት ሲኣይኤ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ​​ኢድ ሩስያ ከይህልዎ ጥርጣረታት ፈጢሩ

    ድሮናት ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኢራን ኣብ መሳለጥያታት ሲኣይኤ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ​ተሳትፎ​ ሩስያ ከይህልዎ ጥርጣረታት ፈጢሩ።

    እቶም ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ምንጭታት ሮይተርስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ሲኣይኤ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ሩስያ ኢድ ኣለዋ ኢሎም ከምዘይደምደሙ ገሊጾም።

    "ዒላማን ኣድማዕነትን" ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ከምኡ'ውን ሩስያ ንኢራን ዝሃበቶ ሰፊሕ ቴክኒካዊ ደገፍ ግን ነቲ ጥርጣረ መበገሲ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

    ሮይተርስን ካልኦት ማዕከናት ዜናን፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ እትገብሮ መጥቃዕቲ፡ ሩስያ ቴክኒካዊ ደገፍ ትህቦ ምህላዋ ከም ዝፈልጡ ጸብጺበን።

    ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ክልተ ማእከላት ሲኣይኤ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ሮይተርስ ሓቢሩ።

    እቲ ሓደ መሳለጥያ ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ዒራቕ ይርከብ።

    ካልኦት ዒላማ ዝዀና መሳለጥያታት ሲኣይኤ እንተለዋ፡ ምንጭታት ሮይተርስ ዝርዝር ሓበሬታ ክህቡ ኣይደለዩን።

  12. ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን ታሪኻዊ ስምምዕ ኑክሌር ተፈራሪመን

  13. መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ኢራን ተገቲሮም ዘለዉ ሰለስተ ከበድቲ ኣማራጺታት

  14. ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኣኼባታት እንታይ የመልክት?

  15. ዝምድና ኣስመራ-ዋሽንግተን ብዓይኒ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም

  16. ኣስመራ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራ ዝነበረ ሰመረ ርእሶም ዓሪፉ

  17. ውድብ ኢሕኣፓ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ዘውፀኦ መግለፂ

  18. ኣመሪካ፡ ኣብ ኲናት ኢራን ኣስታት 37.5 ቢልዮን ዶላር ከም ዘውጽአት ተገሊጹ

    ሚኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣመሪካ፡ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ኢራን ዝተኻየደ ኲናት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 37.5 ቢልዮን ዶላር ከም ዘውጽአት ሚኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰት ገሊጹ።

    ሄግሰት ንሰኔት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣባላት ባይቶ ንፔንታጎን ተወሳኺ 87 ቢልዮን ዶላር ከጽድቕ ሓቲቱ።

    ካብዚ እቲ 67 ቢልዮን ዶላር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ስርሒታት ዝዓለመ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

    ጌትሰት መብርሂ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን እቲ መስርሕ፡ ኣንጻር ጸረ ኲናት ብዝዀኑ ሰባት ብዙሕ ግዜ ዘረብኡ ከቋርጽ ተገዲዱ እዩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ተጻብኦታት ዳግማይ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ሄግሰት ኣብ ካፒቶል ሂል ንፈለማ እዋን እዩ ተራእዩ።

    ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ብኢራን ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ።

    ዋይት ሃውስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንኮንግረስ ኣብ ዝቕጽል ባጀት ዓመት ንፔንታጎን 1.5 ትሪልዮን ዶላር ክወሃቦ ሓቲቱ ነይሩ።

    ኣመሪካ፡ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኢራን ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ 11 መዓልታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

    ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ መሻርኽታን ናይ ገዛእ ርእሳ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ እያ።

    ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብቲ ብሰሉስ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ሓደገኛ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና" ብምባል እዚ ድማ ተባዕን ቅልጡፍን ስጉምቲ ከም ዝሓትት ተዛሪቡ።

    ብ12 ግንቦት፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፔንታጎን ኣመሪካ ኣብዚ ኲናት ዘውጽኣቶ ገንዘብ 29 ቢልዮን ዶላር ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ወጻኢታት እቲ ኲናት ዝሃቦ ወግዓዊ ግምት ኣይነበረን።

    ፔንታጎን ኣቐዲሙ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ንኣመሪካ ኣስታት 11.3 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሓተታ ገሊጹ እዩ።

  19. ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ንሓድሽ ቀረጽ ኣመሪካ ተሪር ምላሽ ክትህብ ይሕተት

    ትራምፕን ማርክ ካርኒን ኣብ ዋንጫ ዓለም ሓቢሮም ዝተራኣይሉ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ብሓባር ተራእዮም ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ፍርያት ካናዳ ናይ 50% ቀረጽ (ታሪፍ) ከም ዝሰልዐ ኣዊጁ።

    እዚ ብሃንደበት ዝመጽአ ቍጠባዊ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ንግዲ ንምቅልጣፍ ዝግበር ዘሎ ናይ ናጻ ንግዲ ስምምዕ (USMCA) ንምሕዳስ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዝያዳ ንምጽላው ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

    ኣመሪካ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደትሉ ምኽንያት፡ ካናዳ ንፍርያት መካይን፡ ጸባን ኣልኮልን ኣመሪካ ብማዕረ ኣይተተኣናግድን እያ ብዝብል ክሲ እዩ።

    እዚ ሓድሽ ቀረጽ ካብ 19 ነሓሰ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኰይኑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ማርክ ካርኒ ተሪር ምላሽ ክህብ ወይ ድማ ነቲ ኵነታት ብትዕግስቲ ክከታተሎ ኣብ ዝብል ከቢድ ምርጫ ወዲቑ ይርከብ።

    ኣብ ካናዳ ዝተገብረ ናይ ህዝቢ ርእይቶ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት ንምምሕዳር ትራምፕ ከም ዘይኣምኑን ካርኒ ንጸቕጥታት ኣመሪካ ኢዱ ክህብ ከም ዘይደልዩን ይገልጹ።

    ገለ መራሕቲ ክፍለ-ሃገራት ካናዳ እውን መንግስቶም ብርቱዕ ምላሽ ክህብ ይጽውዑ ኣለዉ።

    ካርኒ ብወገኑ፡ "ካብ ሕማቕ ስምምዕ ዘይምስምማዕ ይሓይሽ" ዝብል መርገጺ ብምሓዝ፡ ኵለን ኣማራጺታት ይምርምር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

    እዚ ቍጠባዊ ውጥረት፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንዝርከብ ስትራተጅያዊ ንግዲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘይምርግጋእ ከም ዘሰጋገሮ ይግለጽ ኣሎ።

  20. ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን ካብ ስልጣኑ ኣልዩ

    ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንሲርስኪ፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ወራር ሩስያ ንርእሰ ከተማ ኪቭ ንምክልኻል ንዝተጻወቶ ተራ ምስጋና ኣቕሪብሉ።

    ምንጪ ስእሊ, Global Images Ukraine via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ንሲርስኪ ኣብ መጀመርታ ወራር ሩስያ ንርእሰ ከተማ ኪቭ ንምክልኻል ንዝተጻወቶ ተራ ኣመስጊኑዎ ነይሩ

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኦሌክሳንድር ሲርስኪ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዘልገሶ ተገሊጹ።

    እዚ ስጕምቲ ዝተወስደ፡ እቲ ህቡብ ዝነበረ ምኒስተር ምክልኻል ሚካይሎ ፌዶሮቭ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ንተኸታተልቲ መዓልታት ዝቐጸለ ናይ ጐደና ተቓውሞታት ስዒቡ እዩ።

    እቲ ኣብ መንጎ ወተደራዊ ኣዛዚ ሲርስኪን ምኒስተር ምክልኻል ነበር ፌዶሮቭን ዝነበረ ዘይምስምማዕ፡ ንዩክረይን ኣብ ፖለቲካዊ ውጥረት ኣእትዩዋ ጸኒሑ እዩ።

    ፌዶሮቭ (ወዲ 35 ዓመት)፡ ንሰራዊት እታ ሃገር ብተክኖሎጅን ብምውጋድ ብልሽውናን ንምሕዳስ ብዝገበሮ ጻዕሪ ልዑል ናእዳ ዝረክብ ዘሎ ኰይኑ፡ ሲርስኪ (ወዲ 60 ዓመት) ግን "ናይ ሶቭየት ዘመን" ኣሰራርሓ እዩ ዝኽተል ብዝብል ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።

    ኣብ ክንዲ ሲርስኪ፡ እቲ ብተዋጋኣይነቱን ተቐባልነቱን ዝፍለጥ ወዲ 43 ዓመት ጀነራል ሚካይሎ ድራፓቲ ተተኪኡ ኣሎ። ድራፓቲ ሓላፍነቱ ብተወፋይነት ከም ዝስከም ቃል ዝኣተወ ኰይኑ፡ ፌዶሮቭ’ውን ንምሻም ድራፓቲ "ክንጸግ ዘይክእል ናይ ለውጢ ድምጺ" ክብል መጒሱዎ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንሲርስኪ፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ወራር ሩስያ ንርእሰ ከተማ ኪቭ ንምክልኻል ንዝተጻወቶ ተራ ምስጋና ኣቕሪብሉ።

    ብተወሳኺ ንፌዶሮቭ "ግቡእ ናይ ስልጣን ቦታ" ከም ዘቕረበሉ እኳ እንተ ገለጸ፡ ፌዶሮቭ ነቲ ዕድመ ምቕባሉ ግን ገና ኣይተሓበረን።

    እዚ ናይ ኣዘዝቲ ምልውዋጥ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምህዳእን ሓድሽ ወታደራዊ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ንምውሳድን ዝዓለመ እዩ።