ቀጥታ, ኢራን ኣብ ማእከላት ሲኣይኤ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ​​ኢድ ሩስያ ከይህልዎ ጥርጣረታት ፈጢሩ

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መሓዛ ኢራን ዝኾኑ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ምፍፃሞም ኰኒኑ፤

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቍጽጻር ኑክሌር ኣብ ኢራን መርመራታት ከካይድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ ኢራን ብወገና እዚ መርመራ ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ስምምዕ ጥራይ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ።
  • ቬነዝወላ ኣብ ውሽጢ 39 ካልኢታት ጥራይ ብኽልተ ተኸታታሊን ሓያልን (7.2ን 7.5ን ሬክተር) ምንቅጥቃጥ-መሬት ተሃስያ።
  • ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ፈሪሶም፣ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ፣ ከምኡ'ውን ልዑል ቍጽሪ ግዳያት ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
  • ግዝያዊት ፕረዚደንት ዴልሲ ሮድሪገዝ 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' ኣዊጃ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ድማ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
  • እዚ ሓደጋ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉ መዓልቲ ብሄራዊ በዓል ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቬነዝወላ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብዝያዳ ዘጋድድ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሰልፊ ብልጽና ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይግበር

    ሰልፊ ብልጽና ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይብር

    ምንጪ ስእሊ, FBC

    ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ሰኑይ ሻብዓይ ሃገራውን ክልላውን መረጻ ተካይድ ኣላ።

    ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ኣዕናዊ ግጭት እኳ እንተሃለወ፡ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብሰፍሕ ከም ዝዕወት ይግምቱ።

    ልዕሊ 50 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ድምፁ ክህብ ተመዝጊቡ ኣሎ።

    ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ"ዘይምቹው ኩነታት" መረጻ ከምዘይካየድ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ ኢሎ።

    እታ ክልል፡ ብሰንኪ እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት ሓድሕድ፡ ኣብ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ወጥርን ተሸሚማ ትርከብ።

    ወዲ 49 ዓመት ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ 2018 ኣንጻር እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ግንባር ኢህወዴግ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ፡ ስልጣን ምቍፅፃሩ ይዝከር።

    ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት ሰፋሕቲ ዕርያታት ክገብር ድማ ተስፋ ተገይሩሉ ነይሩ።

    ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣንጻር እቲ ብውሽጣዊ ንሕንሕ ዝደኸመን ዝተበታተነን ተቓውሞ፡ ነቲ ሃገራዊ መረፃ ክዕብልሎ ትጽቢት ይግበር።

    ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፌደራል ንመራሕቶም ብምእሳርን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከምዘዳኽሞም ይኸሱ፣ መንግስቲ ነዚ ክስታት ይነፅጐ።

    ንሮይተርስ ሓዊሱ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ሚድያታት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክፅብፅቡ ኣይተፈቐደሎምን።

    ሰልፊ ብልጽግና ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ካብ 484 መናብር ሃገራዊ ባይቶ 410 መናብር ምርካቡ ዝዝከር እዩ።

    ኣብዚ ከርና ንሕንሕ ዘይብሉ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ’ውን፡ ብሰፊሑ ክዕወት ትጽቢት ይግበር።

    Skip YouTube post
    ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን። ትሕዝቶ YouTube መወዓውዒታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

    End of YouTube post

  2. ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ድምጺ ምሃብ ብስእሊ

    ምድማፅ መረፃ፡ መረፃ ክልል ሃመር፣ ጣብያ ቆላጃ ኣንጉዴ

    ምንጪ ስእሊ, NEBE

    መግለጺ ስእሊ, ምድማፅ መረፃ፡ መረፃ ክልል ሃመር፣ ጣብያ ቆላጃ ኣንጉዴ
    ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ጅማ ኣትዩ ምጅማር መረፃ እንትከታተል

    ምንጪ ስእሊ, NEBE

    መግለጺ ስእሊ, ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ጅማ ኣትዩ ምጅማር መረፃ እንትከታተል
    ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ወረዳ ኣርጎባ ድምፂ ዝህቡ መረፅቲ

    ምንጪ ስእሊ, NEBE

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ወረዳ ኣርጎባ ድምፂ ዝህቡ መረፅቲ
    ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ነጋሽ ዋገሾ (ዶክተር) ድምጹ ይህብ

    ምንጪ ስእሊ, NEBE

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ነጋሽ ዋገሾ (ዶክተር) ድምጹ ይህብ
  3. ኢትዮጵያ፡ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ

    ኡሁሩ ኬንያታ ንመስርሕ ድምፂ ምሃብ እናተዓዘበ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

    ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 (6) ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ።

    ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ መላእ ክልል ትግራይን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን መረፃ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ደቡብን ምዕራብን ጎንደር፣ ደጋ ዳሞትን ኣምባሰልን ሓዊሱ ሎሚ ኣብ 8 ክልላት መረፃ፡ ድምፂ ከምዘይወሃብ እውን እቲ ቦርድ ገሊፁ።

    ንሻብዓይ ሃገራዊ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚልዮን መራጽቲ ከምዝተመዝገቡ እቲ ቦርድ ኣመልኪቱ።

    ኣብዚ መረፃ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፋ ኮይነን፡ እተን ውድባት ልዕሊ 10 ሽሕ ሕጹያት ኣመዝጊበን ኣለዋ።

    ካብዚኦም እቶም 2080 ንባይቶ፤ 8,352 ሕጹያት ንቤት ምኽሪ ዞባታት፤ 80 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ክወዳደሩ እዮም።

    55 ሲቪላዊ ማሕበራት ውሽጢ ሃገር ነቲ መረፃ ይዕዘባኦ ከምዘለዋ ይግለፅ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ተዓዛቢ ልኡኽ ኣዋፊሩ ኣሎ።